‘’ግደ ዳያስፖራ ኣብ ዓውዲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ምህዞን’’ ብዝብል ርእሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)‘’ግደ ዳያስፖራ ኣብ ዓውዲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ምህዞን’’ ብዝብል ርእሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ኢትዮጵያ ተረባሒት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንኽክትከውን ብዓውዲ ቴክኖሎጂ ኮሙኒኬሽን ኢንፎርሜሽን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ተላዒሉ።

ኣብቲ ዕለት ቀፃሊ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ዘጠናኽር ፎረም ክምስረት እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ተገሊፁ።

እቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትሪ ምህዞን ቴክኖሎጂን ምስ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ከምዘዳለዉዎ ካብቲ ሚኒስትሪ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ምስ መንግስትን ናይ ውልቀ ዘፈርን ኮይኖም ሃገሮም ብዝኽእሉዎ ኩሉ ንምሕጋዝ ዘኽእልን ኣብ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት እቲ ዓውዲ ንምምካር መድረኽ ይዳሎ ምህላዉ እውን ተገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment