ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ድሬዳዋ ምስ ዝነብሩ ተጋሩ ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ድሬዳዋ ምስ ዝነብሩ ተጋሩ ኣብ ክሊ እዋናዊ ኩነታት ይዛተ ኣሎ።

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ሓላፊ ልምዓት ኢንዱስትሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዶክተር ሙሉቀን ሃብቶምን ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ወይዘሮ ሁሪያ ዓሊን እቲ መድረኽ ዘተ መሪሐምዎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተሳተፉ ተጋሩ፥ ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ኣብ ትግራይ ዘዕነዎም መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ንምህናፅ ዘኽእል ስራሕ ምጅማሩ ንኢዶም።

“ምስ ካልኦት ብሄራት ብሄረሰባትን ኣሕዋት ሀዝብታትን ዘለና ሓድነት ብምጥንኻር ኣብዛ ሃገር ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ሓላፍነትና ክንዋፃእ ኢና” እውን ኢሎም።

ብብርኪ ሃገር ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ለውጢ ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕ ፃዕሪ ከምዝገብሩ እውን ተዛሪቦም።

መራሕቲ እቲ መድረኽ ብግደኦም፥ ተወለድቲ ትግራይ ምስ ካልኦት ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብምዃን ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ካልኦት ከባቢታት እዛ ሃገር ኣብ ዝግበር ህንፀት ሰላም፣ ልምዓትን ቅኑዕ ዴሞክራሲን ዘለዎም ተሳትፎ ንከሐይሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ነቲ ክልል መሊስካ እግሪ ንምትካል ዓሊሙ ኣብ ዝገብሮ ከይዲ እቶም ተወለድቲ ግደኦም ከበርክቱ ከምዝግባእ እወን ፀዊዖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment