ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቤት ምኽሪ ካውንስል ንምጥያሽ ኣብ ዘቕረቦ መበገሲ ሓሳብ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፥ ቤት ምኽሪ ካውንስል ንምጥያሽ ኣብ ዘቕረቦ መበገሲ ሓሳብ ዘተ ይሳለጥ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዝጣየሽ ቤት ምኽሪ ካውንስል ካብ ሲቪክ ማሕበራት፣ ማሕበር ሙሁራት ትግራይ (gsts) ዘካትት ኢዩ ተባሂሉ።

ካቢኔ ግዝያዎ ግዝያዊ ምምሕዳርን ነባር ቤት ምኽሪ ትግራይን ዝሓወሰ ከምዝኸውን እውን ኣብ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ መድረኽ መተኣኻኸቢ ርኢቶ ምጥያሽ ኣማኻሪ ካውንስል ክልል ትግራይ ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ዕላማ እቲ መድረኽ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ንናይ ሕዝቢ ሓድናት ብዘጠናኽርን ህዘቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ ሙሉእ ብሙሉእ ንምርግጋፅን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መደረ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብዚ መድረኽ ዝተራኸብናሉ ዋና ምኽንያት ምንም እኳ ኣቐዲሙ ክግበር ዝግብኦ እንተነበረ ሓቛፊ ዝኾነ ግዚያዊ ምምሕዳር ንምጥያሽ ኣብ ዝተገበረ ምንቅስቓስን ዘለዎ ውስንንነት ብዝተወሰነ ደረጃ ንምቕራፍን ኣብ ካቢኔ ዝተወከለን ዘይተወከለን ናይ ሕብረተሰብ ክፋል ኣብ ናይ ትግራይ ረብሓ ዝተወደበ ሓሳብ ዘቕርበሉ መድረኽ ምፍጣር ኣገዳሲ ስለዝነበረ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ብዘረጋግፅ መልክዑ ኣብ ናይ ትግራይ ጉዳይ ተመሳሳሊ ኣረኣእያን ኣረዳድኣን ምስ ዘለዎም ወገናት ንትግራይ ዝምልከቱ ዓበይቲ ጉዳያት ዝዝትይሉን ፖለቲካዊ ሓድነት ህዝብና ንምርግጋፅ ኣዝዩ ሓጋዚ መድረኽ ክኸውን ተስፋ ይገብር፡፡

Ø እዚ መድረኽ እዚ ከምዝተብሃለ ብህዝቢ ዝተመረፀ ቤት ምኽሪ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ስለዘይብሉን ናይ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ሓሳባት ዝንፀባረቕሉ ኣብቲ ናይ ግዚያዊ ምምሕዳር ካቢኔ ዝተሳተፉን ዘይተሳተፉን ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ዝተወደበ ሓሳቦም ዘቕርብሉ ኣብ ብዙሕ ናይ ትግራይ መሰረታዊ ረብሓ ዝምልከቱ ጉዳያት ኣለና ንብሎ ሓሳብ እሂን ምሂን እንበሃሃለሉ መድረኽ ክኸውን ተስፋ ይገብር፡፡

Ø እዚ ኣማኻሪ ካውንስል እዚ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ቤት ምክሪ ስራሕ ክሰርሕ ዋላ ትፅቢት ዝግበረሉ እንተዘይኮነ ብዝተወሰነ ደረጃ ዋላ እኳ እንተኮነ ንስራሕ ፈፃሚ ኣካል ንምሕጋዝ ዘክእሉ ናይ ስራሕ ፈፃሚ ኣካል ናይ ሙሉእ ህዝብና ተሳትፎ ንምርግጋፅ ዝገብሮ ምንቅስቃስ ዓብይ ትርጉም ብዘለዎ ውሳነታት ዘዕርፈሉ ሓሳባት ዘቅርበሉ ስልጣን ክህልዎ ትፅቢት ይግበር፡፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብፍላይ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ነፃነቶም ሓልዮም ዝንቀሳቀስሉ ኩነታት ዲሞክረሲያዊ ትካላት ሕዚ ብዘለና ኣይዳ ኣብትሕቲ ስራሕ ፈፃሚ ሙሉእ ብሙሉእ ቁፅፅር ዝውዕሉሉ ኩነታት ዓብይ ኣስተፃፅኦ ክገብር እምነት ኣለኒ፡፡

Ø ብናትና እምነት ጊዚያዊ ምምሕዳር ዲሞክራሲያዊ ትካላት ናይ ሚድያ ትካላት ኣብያተ ፍርዲ ክህልውዎም ዝግባእ ነፃነት ብዝተማለአ መንገዲ ንምርግጋፅ ናይ ጊዚያዊ መንግስቲ ሰናይ ድሌት ጥራሕ ክውስ ኣለዎ ኢልና ኣይንኣምንን፡፡

Ø ስለዚ እዚ ኣማኻሪ ካውንስል እዚ ስራሕ ኣብዝውዕሉ ሰዓት ኣብዘን ትካላት እዚኤን እውን ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ብዘረጋግፅ ልዕሊ ኩሉ ግን ነፃነተን ንምርግጋፅ ንገብሮ ስራሕ ዓብይ ሓገዝ ክህልዎም ታራ ከም-ዝህልዎም እምነትና እዩ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ተሳታፍነት ከም ሓደ መሰረታዊ መትከል ክውሰድ ኣለዎ፡፡

Ø ኣሳታፋይነት ዝብሃል ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበሩና ከይድታት ዝተሳተፉ ይኩኑ ዘይተሳተፉ ሲቪል ማሕበራት፣ ፓለቲካዊ ውዳበታትን ናይ ሞያ ማሕበራት ሙሉእ ተሳትፎ ንምግባር ዘኽእሎም መንገዲ ክስራሕ ዋላ ከምቲ ዝበልኩዎ ናይ ቤት ምኽሪ ሕጊ መውፅኢ ስልጣን ኣይሃልዎ በቲ ሕዚ ዘለናሉ ብፍላይ ዲሞክራሲ ንምዕባይ ብዝሃንፅ መንገዲ ናይ ህዘቢ መሰረታዊ ረብሓታት ኣብ ምሕላው ልዕሊ ኩሉ ግና ናይ ፓለቲካ ናይ ህዝብና ሓድነት ኣብ ምርግጋፅ ዓብይ ትርጉም ዘለዎ ናይ ቤት ምኽሪ ዛዕባታት ወኪሉ ዝሰርሖም ስራሕቲ ኣብ ግምት ኣእቲና እቲ ስራሕ ፈፃሚ እውን ስራሕቱ ንህዝቢ ግልፂ ብዝኮነ መንገዲ በቢግዚኡ ዝፍትሸሉ ንናይ ህዝቢ ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ንምሃብ ብዘኽእል መንገዲ ክሰርሐሉ ኣብ ምርግጋፅ እዚ ኣማኻሪ ካውንስል ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ኢልና ተስፋ ንገብር ፡፡

Ø ሐዚ ኣብዚ ዕለት ዝተራኸብናሉ ዋና ምኽንያት ብካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር መማረፂ ኮይኖም ዝቐርቡ ሓሳባት ኣለዉ፡፡ እቶም መማረፅታት ናይ መወዳእታ መማረፅታት እዮም ኢልና ኣይንሓስብን፡፡ ኣብዚ መድረኽ ዝተራኸብናሉ ምኽንያት ናይ ትግራይ ናይ መጨረሻ ናይ ፍልጠት ፍልፍል ካቢኔ እዩ ዝብል እምነት ስለዘይብልና ናይ ትግራይ ጉዳያት ናይ መጨረሻ ውሳነ ብፍላይ መፃኢና ብዝምልከት ኣብቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ዝተኣኻኸቡና ሰባት ኩሉ ናይ መጨረሻ ፍልጠትን ሓሳብን ኣለና ዝብል እምነት ሰለዘይለ ፤ ነዚ ከም መበገሲ ዝቀርቡ ሓሳባት ክነዕምቖም፣ ክነስፍሖም የኽእሉ ካልኦት መማረፂታት እንተሃልዮም እዉን ነቶም መማረፂታት ንምድላይ ዘኽእለና መድረኽ ንምፍጣር ሓሲብና ኢና እዚ መድረኽ ፀዊዕናዮ ።

Ø ስለዚ ንቐፀልቲ ዓሰርተ ማዕልቲታት ካብ ኩሎም ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ብናይ ኩሎም ናይ ርክብ ሚድያታት ናይ ኮሙኒኬሽን ሚድየም ኩሎም ዓይነታት ሓሳብ እናተቐበልና ኣብ መጨረሻ ኮንሰንሰስ ዝተበፅሐሉ ኣሬንጅመንት መሰረት ገይርና ካብ ደገ ካብ ኩሎም ሞያ ማሕበራት ኣብ ኩሎም ኩርናዓት ዓለም ካብ ዝርከብ ፈታዊ ዓዱ ትግራዋይ ዝመፅኡ ሓሳባት ብዝተወደበ መንገዲ እናተቐበልና እንፀንሐሉ ኣብኡ መሰረት ገይርና ናይ መጨረሻ ዉሳነ እንበፅሐሉ ክኸዉን ከምዝግባእ ፤ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክገልፅ ይደሊ ፤ ናይሎሚ ምይይጥና በዚ መንፈስ እዚ ልዕሊኹሉ ግን ናይ ትግራዋይ ፖሎቲካል ሓድነት ናይ ዝተወሰነ ኣተሓሳስባታት መድረኽ ብምፍጣር ጥራሕ ዝረጋገፅ ስለዘይኮነ ኣብቲ ሐዚ ዘለናሉ ችግር ንምፍታሕ ድማ ልዕሊ ኹሉ ፖሎቲካዊ ሓድነትና ምርድዳእ ወሳኒ ስለዝኾነ ነዚ ንምምፃእ ዘኽእለና ልምምድ ንገብር ኣለና ኢልና ኢና ንኣምን ፤ ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ብዝገበሮ ቓልሲ ናይ ብዙሓት ብሄራት ብሄረ ሰባት መሰል ዓርሰ ዉሳነ ብዝተማለአ መንገዲ ምርግጋፅ ዘኽእል ስራሕ ዝሰርሐ ነዚ ንምምፃእ ልዕሊ ማንም ኣስተዋፅኦ ዝገበረ ህዝቢ እዩ ።

Ø ሐዚ ዘለናሉ ናይ ጊዝያዊ ምምሕዳር ኩነታት ንህዝቢ ትግራይ ዝግበኦ ከምዝይኮነ ክፍለጥ ኣለዎ ። ህዝቢ ትግራይ ብዝተማለአ መሰል ዓርሰ ዉሳነኡ ክረጋፅ ኣብ ዝገበሮ ምንቅስቃስ ብዝተወደበ መንገዲ ፓለቲካል ሓድነት ኣፈላላይና ብዘየገድስ ፓለቲካል ሓድነትና ምርግጋፅ ዘክእለና መድኻት ምፍጣር ንፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ ንብሎ ኣጀንዳ ከምዘየለ ኩሉ ክፈልጥ ኣለዎ፡፡

Ø ናይዚ መድረኽ ዋና ዓላማ ውን ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ንናይ ሕዝቢ ሓድናት ብዘጠናክር ፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ ህዘቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ ሙሉእ ብሙሉእ ምርግጋፅ ዘክእለሉ ባሕግታትና ንምዕዋት ዘኽእሉና ኣንፈታት ንምንዳይ ኩሉ ዓቕምና ናይ ማንም ዓቅሚ ከተፀባፀበ ተሳትፎና ነረጋግፀሉ መንገዲ እዚ መንገዲ እዙይ ስራሕቲ ንሰርሐሉ መድረክ ክኸውን እዩ ኢልና ተስፋ ንገብር፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment