ግዚያዊ ውፅኢታት ዳግም መረፃ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዕላዊ ይግበሩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ዳግም መረፃ ድምፂ ዝተውሃበሎም ጣቢያታት መረፃ ጊዜያዊ ውፅኢታት ዕላዊ ይግበሩ ኣለዉ።

ኣብቲ ክልል ዞባ ምብራቕ ጉራጌ ወረዳ መስቃን ፍሉይ ማረቆን 6ይ ሃገራዊ ዳግም መረፃ ዜጋታት ትማሊ ድምፆም ከምዝሃቡ ይዝከር፡፡

ኣብቲ ከይዲ መረፃ እናተሳተፉ ዝነበሩ መረፅቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተለጠፈ ግዚያዊ ውፅኢት እናተመልከቱ ይርከቡ።

ከይዲ ኣወሃህባ ዳግም መረፃ ኣብቶም ከባቢታት ብዝርከባ 169 ጣቢያታት መረፃ ከምዝተወገነ ይፍለጥ።

ብይስማው ኣደራው

Comments (0)
Add Comment