ግዕዝይና ምኽንያት መረረትን ፀረ ምዕባለ ሃገርን ስለዝኾነ ብሓባር ምቅላስ ይግባእ – ኣይተ ተስፋዬ ዳባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብልሹው ኣሰራርሓን ግዕዝይናን ምኽንያት መረረትን ፀረ ምዕባለ ሃገርን ስለዝኾነ ብሓባር ምቅላስ ከምዝግባእ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያ ካቢኔ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተስፋዬ ዳባ ገሊፆም።

መንግስቲ ኣብ ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ብሄራዊ ኮሚቴ ኣጣይሹ እናሰርሀ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

መበል 20 ዓለም ለኸ መዓል ፀረ ግዕዝይና ጠሚቱ “ግዕዝይና ሓበራዊ ፀላኢና ኢዩ፤ ብሕብረት ንቃለሶ” ንዝብል መሪሕ ሓሳብ ቤት ፅሕት ቀዳማይ ሚኒስትርን ተፀዋዕቲ ትካላትን መድረኽ ምይይጥ እናካየዱ ይርከቡ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያ ካቢኔ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተስፋዬ ዳባ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ትገብሮ ጉዕዞ ምዕባለ ግዕዝይና ማሕለኻ እናፈጠረ ዝርከብ ዓብዪ ፀገም ከምዝኸነ ፀሪሖም።

ፀገማት ብልሹው ኣሰራርሓን ግዕዝይናን ምኽንያት መረረትን ፀረ ምዕባለ ሃገርን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ “ኣብ ልዕሊ ምዕባለ ሃገር ዕዙዝ ዕንቅፋት ዝኾነ ግዕዝይና ብሓባር ምቅላስ ይግባእ” ኢሎም።

ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና÷ ብልሹው ኣሰራርሓን ግዕዝይና ንምክልኻል እናገበሮ ካብ ዘርከብ ፃዕሪ ብተወሳኺ ሓገዝ ዜጋታት ወሳኒ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

መንግስቲ ኣብ ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ብሄራዊ ኮሚቴ ኣጣይሹ እናሰርሀ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ ዝተጠናኸሩ ስራሕቲ ከምዝውግን እውን ኣረጋጊፆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment