ግብፃዊ መሓመድ ሳላሕ ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ከይፃወት ብሊቨርፑል ተኸልኪሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኵዕሶ እግሪ ግብፂ ኣጥቃዓይ ክለብ ሊቨልፑል መሓመድ ሳላሕ ግብፂ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ እትገብሮ ግጥም መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ከይሳተፍ ብጋንታ ሊቨርፑል ከምዝተኸልከለ ገሊፁ።

ጋንታ ሊቨርፑል ዘቕረበቶ ምኽንያት ድማ እንግሊዝ ምስ ኮሮናቫይረስ ተሓሒዙ ዘውፀአቶ ሕጊ፤ ሳላሕ ካብ ግብፂ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተመሰለ ን10 መዓልታት ክውሸብ ስለዝግደድ ኢዩ።

ማዕከናት ዜና ብሪጣንያ ከምዝጸብጸበኦ፥ ሊቨርፑል ብጀካ ንመሓመድ ሳላሕ ንሰለስተ ብራዚላውያን እውን ምስ ሃገራውያን ጋንተኦም ከይፃወቱ ከልኪላ ኣላ።

ኣብ ጋንታ ሊቨርፑል ዝፃወቱን ምስ ሃገራዊት ጋንትኦም ከይፃወቱ ዝተኸልከሉን ብራዚላውያን፥ ሮበርቶ ፍርሚኖ፣ ኣሊሰንን ፋብያኖን ኢዮም።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment