ግብፂ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ጉድኣት ከምዘየብፀሓለ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግብፂ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ከምዘየብፀሓለ ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ማይ እታ ሃገር መሓመድ ኣልሰበይሂ ተዛሪቦም።

እቶም ኣቐባሊ ቓል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ ግብፂ ክዙን ቃላይ ናስር ስለትጥቀም ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ፅዕንቶ ከምዘይፈጥረላ ገሊፆም።

ኣብታ ሃገር ዝርከባ ትካላት ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ነናይ ባዕለን ግደ ከምዝህልወን ዝገለፁ እቶም ኣቐባሊ ቓል፥ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ዝህሉ ሕድሕድ ንጣብ ማይ ቁፅፅርን ሓለዋን ከምዝገብር ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ልዑል ጉድኣት ብዘየብፅሕ መልክዑ ሩባ ኣባይ ብምጥቃም ልምዓታ ናይ ምርግጋፅ መሰል ከምዘለዋ እውን ኣብሪሆም።

ምስ ኢትዮጵያ ዝዝነበረ መሰረታዊ ዘይምርድዳእ ኣብ እዋን ድርቂ ዝህሉ ኣመሓዳድራ ማይ ብሓባር ምግባር ኣብዝብል ጉዳይ ከምዝኾነ እቶም ኣቐባሊ ቓል ገሊፆም።

ፍልፍል፡- ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment