ግብፂ ሓላፍነት ካብ ዝጎደሎ ዘረባን መፈራርሒታትን ንክትዕቀብ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ግዳበ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ “ኩሎም ኣማራፅታት ክፍቲ ኢዮም” በምባል ንዝሃብዎ መግለፂ ሓላፍነት ዝጎደሎ ዘረባ ኢዩ ብምባል ነፂጉዎ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ግብፂ ግድብ ኣባይ ብዝምልከት ንኢትዮጵያ መፈራርሒ ዝሓዘለ መግለፂ ሂባ ኢሉ።

እዚ ድማ ቻርተር ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ድንጋገታት ሕብረት ኣፍሪካን በግልፂ ዝጠሓሰ ኢዩ ኢሉ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን መጋቢት 2015 ዓ.ም.ፈ ዝገበርኡ ስምምዕነት ዝጠሓሰ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ግብፂ ሓላፍነት ካብ ዝጎደሎ ዘረባን መፈራርሒታትን ንክትዕቀብ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲባ።

ዝምልከቶም ኣካላት፥ እታ ሃገር ዓለም ለኻዊ ርክብ ትጥሕስ ከምዘላ ክግንዘቡ ኣለዎም ኢሉ።

ግብፂ ብመፈራርሒን ንነገራት ካብ ሕጊ ወፃኢ ብምግባርን ባህጋ ክሰዐውት ከምዘይትኽእል እቲ ሚኒስቴር ኣረጋጊፁ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment