ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብፂን ተለኣኣኽቲ ህወሓትን ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምክፍፋል ይሽርቡ ምዃኖም ተንታኒ ፖለቲካ ኣንድሪው ኮሪብኮ ገሊፁ።
ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ዝትንትን ብፍላይ ድማ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ተደጋጋሚ ትንታት ዝፅፍ ሜሪካዊ ኣንድሪው ኮሪብኮ፥ ኣብ ፅሑፉ ካይሮ ኣካይዳ ከፋፊልካ ግዛእ ተኸቲላ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ብምፍልላይ ናይ ባዕላ ልዕልና ኣብ ሰፊሕ ዞባ ንምዕሳል ምቹው ኩነታት ንምፍጣር እናሰርሐት ከምዝኾነት ኣመልኪቱ።
ስለዝኾነ ድማ “ሱዳናውያን ሽርሒ ግብፂ ይጠርጥሩ እምበር ብድሕሪኦም ኮይና ንምውጋእ እናሸረበት ምዃና ግን ኣይተገንዘቡን” ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት ዘ ኢኮኖሚስት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኲናት ንምቕስቃስ ናይ ሕሶት ዜናታት ብምግውሑ ዘዘኻኸረ እቲ ተንታኒ፥ ኣድልዎ ዘለዎ ኢዲቶሪያል ፖሊሲ እቲ ትካል ኣብ ጎንፂ ዶብ እተን ሃገራት ኣመልኪቱ ዘውፀኦ ፀብፃብ “ንድፈ ሓሳብ ሽርሒ” ዝሓዘለ ከምዝኾነ ገሊፁ።
እዚ ድማ ሱዳን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ቅድሚ ዝኸፈተቶ ጎስጓ ኲናት ከምዝነበረ ኣብሪሁ፡፡
ወታደራት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኢትዮጵያ ጥሒሶም ምእታዎም ብምፅራሕ፤ ብክልቲኦም ወገናት እቲ ጉዳይ መደናገሪ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ጦር ኢትዮጵያ ጎንፂ ዝቕስቅስ ብምዃን እተን ሃገራት ናብ ኣፍ ኲናት ንኽበፅሓ ምግባራ ገሊፁ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ቀዳማይ ሚኒትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ንሱዳናውያን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ሕውነት ከምዘልዐሉ ብምሕባር፤ ሳልሳይ ወገን ብምእታው ከፋፊሎም ንኽገዝኡ ምፍቃድ ክዘይግባእ ምግንዛቦም እውን ኣዘኻኺሩ።
“ከም ሓቂ እንተኾይኑ እናኾነ ዝርከብ ግብፂን ብግብረ ራዕዲ ናይ ዝተፈረጀ ህወሓት ተለኣኣኽቲን ብሽፋን ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብሕቡእ ብዝቐርበሎም ሓገዝ፥ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምክፍፋልን ንምግዛእን እንሸረባ ይርከባ” ክብል ኣረዲኡ።
በቲ ከይዲ ናይ ባዕሎም ሕእ ዕላማ ንምዕዋትን ኢሉ እውን ቀርኒ ኣፍሪካ ብሕቡእ ኲናት ንምትርማስን ትልሚ ብምውፃ እናተንቀሳቐሱ ከምዝኾኑ ገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com