ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብሪ ዘይኸፍሉ ነጋዶ ናብ መርበብ ንግዲ ንምእታው ኣብ መፅናዕቲ ዝተደረኸ ስራሕ ምስራሕ ከምዝግባእ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን።
ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉሙሩኽን÷ ኣብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ተገምጊሙ፡፡
ኣብቲ በጀት ዓመት ኦዲት ካብ ዝተገበሩ 7 ሺሕን 58 ከፈልቲ ግብሪ ወለድ ፣ መቕፅዒን ፍረ ግብሪን ሓዊሱ 40 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ኣብቲ ሪፖርት ተመልኪቱ፡፡
ሚኒስትር እቶት ወ/ሮ ኣይናለም ንጉሴ ከምዝገለፀኦ÷ ዘፈር ግብሪ ንምድንፋዕን ኩሉ ኣካል ናብ መርበብ ግብሪ ንኸኣቱን ብምውዳድ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡
ኣሰራርሓታት ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ንምዝማንን ልዑል እቶት ንምእካብን እናተሰርሐ ምዃኑ ብምግላፅ÷ ኣብቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 93 ሚኢታዊ ከፈልቲ ግብሪ ግብሮም ብኦንላይን ከምዘፍለጡ ኣልዒሎም፡፡
ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ብግደአን÷ ዘፈር እቶት ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚ እታ ሃር ልዑል ብፅሒት ዘለዎ ምዃኑ ገሊፀን፡፡
ተበፃሕነቱ ብምስፋሕ ካብቲ ዓውዲ ትፅቢት ዝግበር እቶት ክብ ምባል ከምዝግባእ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር÷ እዚ ንምዕዋት ድማ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ሓበሬታታት ብግቡእ ምጥቃም ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡
ዘፈር ታክስ ዘምስፋሕን ናብ መርበብ ታክስ ዘይኣተዉ ነጋዶ ናብቲ መርበብ ኣብ ምእታው ኣብ መፅናዕቲ ዝተመሰረተ ስራሕ ምስራሕ ትፅቢት ይግበር ምባለን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com