ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ብሓባር ንምውጋእ ከምዝሰርሑ ርእሳነ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያን ኣምሓራን ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ኣብ ባህርዳር ዘቲዮም።

ድሕሪ እቲ ዘተ ሓራዊ መግለፂ ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ኣብ መግለፂኦም ድማ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታ ከምዝዘተዩ ገሊፆም።

ርእሰ መምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ፥ “ጉዳይ ፀፅታ ዝፍታሕን ሓድነት ኢትዮጵያ ዝቐውምን ብሓባር እንትንሰርሕ ኢዩ ኢልና ተስማዕሚዕና ኣለና” ኢሎም።

ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ብሐባር ንምውጋእ እተም ክልላት ብሓር ከምዝሰርሑ ዝገለፁ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ፀረ ህዝቢ ዝኾ ፀላእቲ ብምድምሳስ ዜጋታት እግሪ ክተኽሉ ምግባር ከምዘድሊ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ ተዛሪቦም።

ፅንፈኝነት ንምግታእ ከምዝተስማዕምዑን ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ስምምዕነት ከምዘሕደሱዎን እውን ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ብግደኦም፥ ዝዓበየ ፈተና ኢትዮጵያ ፅንፈኝነት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ህዝቢታት ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ኢትዮጵያ ንምኽባር ዓቢዪ ሓላፍነት ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብሓባር ንምውጋእ ከምዝሰርሑ ዝገለፁ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበሩ ጉድለታትን ጥንካረታትን ከምዝዘተዩ እውን ኣብሪሆም።

“ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ንምንባር ምስራሕ ከምዝግባእ ተስማዕሚዕና ኢና” ኢሎም።

ፅንፈኛታት ብሓባር ብምጥፋእ ብሓባር ምልማዕ ይግባእ ዝበሉ እቶም ርእሳነ ምምሕዳር፥ ዝተበፅሑ ስምምዓት ብግቡእ ንኽፍፀሙ ብቆራፅነት ከምዝሰርሑ ምግላፆም ኣሚኮ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment