ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣብ ማይ ካድራ ዝፈፀሞ ጭፍጨፋ ኣብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ተሓታቲ ዝገብር ወፍሪ ክጅመር ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ማይ ካድራ ዝፈፀሞ ጭፍጨፋ ዘርኢ ኣብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ተሓታቲ ዝገብር ወፍሪ ክጅመር ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ዓመት መዓልቲ ዝኽረ ሰማእታት ማይ ካድራ ትማሊ ምሸት ኣብ ከተማ ጎንደር ብስነ-ስርዓት ፀሎት ህሊናን ምውላዕ ስምዓን ተሓሲቡ፡፡

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ኣይተ ፀጋው እዘዘው ከምዝሓበሩዎ፥ ህወሓት ንህዝቢ ኣምሓራ ካብ ዘለዎ ጭካነን ፅልኢትን ብዝብገስ ኣብ ማይ ካድራ ተሊሙን ሓሲቡን ብቕሉዕ ጨፍጫፍ ዘርኢ ፈፂሙ ኢዩ።

ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ ዝፈፀሙዎ ጨፍጫፍ ብገበን ዓለም ለኸ ሕጊ ዘሕትቶም ስለዝኾነ፥ ተፈፃሚ ንኽኸውን ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ድምፆም ከስምዑ ኢዮም ኢሎም፡፡

ኣብ ማይ ካድራ ዝተፈፀመ ገበን ጨፍጫፍ ዘርኢ ፈፀምቲ ብገበን ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ክሲ ክምስረተሎም ዝኽእሉ ጭቡጣት ሰነዳት ምርመራ ከምዝተሰናድአ እውን ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዝኽሪ ሰማእታት ኣመራርሓታትን ኣባላትን ቤት ምኽሪ ምምሕዳር እታ ከተማ ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት ከምዝተረኸቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment