ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣብ ሓፂር እዋን ብምድምሳስ ገፅና ናብ ልምዓት ንምምላስ ህዝቢ ክልል ጋምቤላ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ደው ንኽብሉ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ፀረ ልምዓት ዝኾነ ጉጅለ ጁንታውን ኣብ ሓፂር እዋን ብምድምሳስ ገፅና ናብ ልምዓት ንምምላስ ህዝቢ ክልል ጋምቤላ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ደው ንኽብሉ መንግስቲ እቲ ክልል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ክልላዊ መንግስቲ ክልል ጋምቤላ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቡ መግለፂ ሂቡ፡፡

መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ መግለፂኡ፥ ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ዓሚ ከምዚ ሎሚ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ልዕሊ 20 ዓማውቲ እናሓለዎን ኣብ እዋን ፀገሙ ካብ ጎኑ ዘይተፈለየን ሓይሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ታሪኽ ዘይርስዖ ክሕደት ብምፍፃም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኩሉ ዓይነት መጥቃዕቲ እናፈፀመ ፀኒሑ ኢዩ።

ህዝቢ ከም ህዝቢ ንምጥፋእ ሓሲቡን ተሊሙን ዝተለዓለ ሓይሊ ምስዓር ዝከኣል ከምህዝቢ ሓደ ኮይንካ ደው ብምባልን ብምምካትን ጥራሕ ኢዩ ኢሉ ከምዝኣምን እውን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ፡፡

“ፀላኢ ካብ መሳርሒኡ ንላዕሊ ብዘለቆም ፕሮፓጋንዳታት እንተርዒዱና ሓደ ኮይንና ጠጠው ክንብል ስለዘይንኽእል ህልውናና ንምቕፃል ዕንቅፋት ክፈጥረልና ኢዩ” ኢሉ ኣብ መግለፂኡ።

ስለዝኾነ ድማ ፀላኢ ኣብ ግምባር እናበፅሖ ዝርከብ ስዕረት ብናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ንምክሕሓስን ስለ-ልቦና ሰራዊቱ ንምህናፅን ከምኡ እውን ደጀን ወገን ንዝኾነ ህዝቢ ንምድንጋር ዝጥቀመሉ ናይ ሕሶት ሜላ ከምዝኾነ ብዕሊ ምግንዛብን ንእዋኑ ዝምጥን ስነ-ልቦና ምህናፅን ንፅባሕ ዝበሃል ከምዘይኮነ ኣገንዚቡ።

ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ ንይቕሬታ ዝተዘርግሑ ኣእዳው ገዲፉ ብትዕቢት ማዕርነት ብምፅያፍ ልዕልነት ጥራሕ ብምእላሽ መኸታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ዝፈፀሞ ኣረመኔያዊ ተግባር ህዝቢን መንግስቲን ክልል ጋምቤላ ኩሉ ግዘ ክዝክሩዎ ኢዮም ኢሉ፡፡

ቃልስና ምስ ጁንታ ጥራሕ ዘይኮነስ በቲ ጉጅለ ኢትዮጵያ ንምጥፋእ እኩይ ተግባር ዝተሸኩዑ ናይ ውሽጢን ወፃኢን ሓይሊታት ፅፍኣት ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ፡፡

“ብምዃኑ ወገንና ዝኾንካ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ደላዪ ሰላም ህዝብና ደው ብምባል ብህይወት ደቅኻ ቁማር ዝፃወትን ንሓድነትና፣ ሰላምና፣ ሉኣላውነትና መንቀርሳ ዝኾነ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ንመወዳእታ እዋን ንምድምሳስ እናተገበረ ኣብ ዝርከብ ርብርብ ኣብ ጎንና ንኽትከውን ንፅውዕ” ክብል ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

በወኻሊእ መዳይ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣብ ሓፂር እዋን ብምድምሳስ ገፅና ናብ ልምዓት ንምምላስ ህዝቢ ክልል ጋምቤላ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ደው ንኽብሉ መንግስቲ ክልል ጋምቤላ ፀዊዑ።

መላእ ህዝቢን መንገስቲን እቲ ክልል ተሓባቢሮም ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ግብረ ራዕዲ ንምድምሳስ እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ ብሓይሊ ሰብ፣ ብዓይነት፣ ብገንዘብን ሞራልን እናደገፈ ዝፀንሐ ይኹን እምበር፥ ምስ ዘሎ እዋናዊ አተሓሳሳቢ ጉዳይ ህልውና ነዚ ፀላኢ ህዝብና ዝኾነ ጉጅለ ጥፍኣት ግብኣተ መሬቱ ንምቅልጣፍ ዝጀመሩዎ ኩለመዳይ ሓገዝ ኣጠናኺ ከምዝቕፅል ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።

ፀላኢ ናይ መወዳእታ ዕድሉ ኣጠቓሊሉ እናተጠቐመ ዝርከበሉ እዋን ስለዝኾነ፥ ባህሪ ኲናት ምርዳእን ብሕሶት ዝጋውሑ ወረታት ንባዕልኻ ምሕላው ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment