ግብረ ራዕዲ ሸኔ ናይ ምፅራይ ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ክልል ኦሮሚያ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ሸኔ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይ ምፅራይ ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ እቲ ክልል ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ሸኔ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዝፈፀሞ መነወሪን ጭካነ ዝተመልኦ ተግባርን እቲ ጉጅለ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ዕላማን ሽቶን ዘይብሉ ምዃኑ ከምዘርኢ ኣመልኪቱ፡፡

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዝተዋደደ ስጉምቲ እናተወሰደ ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ ነዚ ስዒቡ ድማ እዋን ዝሓለፎም ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዘይፍፀም ተግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ እናፈፀሙ ምፅነሖም ባዕሎም ምምስካር ከምዝጀመሩ ገሊፁ፡፡

ፃውዒት ሰላም ዝተቐበሉ መናእሰይ ኣባላት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ እውን ሰላማዊ መገዲ መሪፆም ብበዝሒ ኢዶም እናሃቡ ከምዝርከቡ ኣብሪሁ።

ረብሓ ህዝቢ ኦሮሞ ብጠበንጃ ኣፈ ሙዝ ዘይኮነስ ብሓሳብ ልዕልና ዝኽበር ከምዝኾነ ብምሕባር፤ መንግስቲ እቲ ጉጅለ ብሰላማዊ መገዲ ንኽቃለስ ሰፊሕ ፃዕሪ አናገበረ ምፅንሑ ተገሊፁ፡፡

እቲ ጉጅለ ዝፍፅሞም ኣነወርቲ ተግባራት ብዘላቕነት ንምውጋድ ኣብዚ ሰሙን ዝተጀመሩ ስጉምቲታት ውፅኢት እናምፅኡ ከምዝኾኑ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ዝተጀመረ ስጉምቲ ብቅልጡፍ ውፅኢት ንኸምፅእ ድማ ሕብረተሰብ ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምንባብ ትፅቢት ዝግበረሉ ግደ ንኽዋፃእ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment