ግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ካብ ዘብፀሐሎም ኢንዱስትሪታት እቶም 11 ስራሕ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ጉድኣት ካብ ዘብፀሐሎም ኢንዱስትሪታት እቶም 11 ስራሕ ከምዝጀመሩ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን ዘዕነዎምን ጉድኣት ዘብፀሐሎምን ኢንዱስትሪታት መሊስካ ንምጥያሽ ሚኒሰስቴር ኢንዱስትሪ ኣብቲ ቦታ ግዚያዊ ቢሮ ከፊቱ ክትትል እናገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ግዚያዊ ቢሮ ምስ መዳርግቲ ኣካላት፣ ዘብ ሃፍቲ፣ ከምኡ እውን ምስ ኮማንድ ፖስት ብዝገበሮ ዝተዋደደ ስራሕ 11 ናይ ዓለባ፣ ምግቢን መስተን ከምኡ እውን ዘፈራት ኬሚካልን ኮንስትራክሽንን ዝተዋፈሩ ፋብሪካታት ፍርያት ምፍራይ ከምዝጀመሩ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ባንኪታት፣ ጉምሩኽ፣ ኢትዮ ቴሌኪምን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን ስራሕ ምጅማሮምን እቶም ፋብሪካታት ናብ ስራሕ ምእታዎምን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱ መካየዲ ስራሕ እቲ ግዚያዊ ቢሮ ኣይተ ጳውሎሰስ በርጋ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሙሉእ ብሙሉእ ንትልቀቕ ተወሰኽቲ ፋብሪካታት ናብ ፍርያት ከምዝኣትዉ ካብ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment