ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዳሉል ንምቁፅፅር ዝገበሮ ሙከራ ብናይ ዓፋር ክልል ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ከሺፉ  

ኣዲስ ኣበባ ፣  22 ነሓሰ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዳሉል ንምቁፅፅር ዝገበሮ ሙከራ ብናይ ዓፋር ክልል ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ከሺፉ።

ህወሓት ኣብቲ ክልል ኣብ በራሕለ ወረዳ ብዙሓት ቀቲሉ፣ ኣቑሲሉ፣ ካብ ገዘኦምን ንብረቶምን ኣፈናቒሉ ከምኡወን ቅርስታት ኣውዲሙ ተባሂሉ።

እቲ ጉጅለ ብከቢድ መሳሪያ መጥቃዕቲ እንተፈፀመ እውን ናይ ዓፋር ፍሉይ ሓይሊ ኣባላት ብዘለዎም ንኡሽተይ መሳሪያ ብምጥቃዕ ዓብዪ ጀግንነት ከምዝፈፀሙ ናይ ዞባ 3 ዋና ኣመሓዳሪ ኣይተ  መሀመድ አሊ ኣብቲ ሰፍራ ንዝርከብ ጋዜጠኛ ፋና ብሮድ ጋስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦምዎ።

ሐዚ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ልዑል ዓወት የመዝገብ ኣሎ ኢሎም እቶም ዋና ኣመሓዳሪ።

በቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ዝተፈናቐሉ ልዕሊ 6 ሸሕ ዜጋታት ድጋፍ ይግበረሎም ከምዘሎ ብምግላፅ፥ እቲ ድጋፍ እኹል ብዘይ ምዃኑ ትኹረት ከምዘድሊዮ ጠቊሞም።

ብጌታሰው የሺዋስ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment