ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘየኽበሮ ምቁራፅ ተኹሲ መንግስቲ ንሰላም ዝኸዶ ርሕቐት ዘርኢ ኢዩ – ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘየኽበሮ ምቁራፅ ተኹሲ መንግስቲ ንሰላም ዝኸዶ ርሕቐት ዘርኢ ከምዝኾነ ሚኒስትር ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስር ምስ ዴች ቬሌ መደብ “ኮንፍሊክት ዞን” ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝገለፁዎ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምፃእ ዝኸዶ ርሕቐት እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ነቲ ስምምዕነት ብዘይምኽባር ህዝቢ ንልዑል ሰብኣዊን ንዋታዊን ጥፍኣት ክበፅሖ ምግባሩ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ወራር ብምፍፃም ህይወት ሰብ ካብ መጥፋእ ብተወሳኺ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝደፈረን ንብረት ሓረስቶት ከምዝዘረፈን ከምኡ እውን ሙሉእ ብዝበሃል ደረጃ ዝተፈላለያ ከተማታት ክዓንዋ ከምዝገበረ ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘይትካፈለሉ ምኽንያት ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ ኢትዮጵያ ብሕታዊት ዘይትካፈል ሃገር ዘይምዃና ገሊፆም፡፡

ዋላ ሓንቲ ኣፍሪካዊት ሃገር ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይትካፈልን እዚ ድማ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘብፀሖ ሰብኣዊን ንዋታዊን ዕንወት ምግንዛበን ዘመልክት ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ሉኣላውነት ሃገር ብዘኽበረ መልክዑ ሓቂ ንኽምልከት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝፈቐደ ኣብ ፃንሒቶም ገሊፆም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment