ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዓብላላይነተይ ክቕፅለሉ እየ፤ እንተዘይኮይኑ ግና ኢትዮጵያ ከፍርስ እየ፤ ዝብል ደርፊ ዓሻ ይደርፍ ኣሎ – ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሀመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ) “ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዓብላላይነተይ ክቕፅለሉ እየ፤ እንተዘይኮይኑ ግና ኢትዮጵያ ከፍርስ እየ፤ ዝብል ደርፊ ዓሻ ይደርፍ ኣሎ” ክብሉ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሀመድ ገሊፆም፡፡

ኣይተ ሙስጠፌ ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ክልተ ግልፂ ዝኾኑ ዕላማታት ኣለውዎ ኢሎም ፡፡

እቲ ፈላማይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንረብሓይ ደው ዝበለ መንግስቲ ክመፅእ ኣለዎ ዝብል እንትኾን፥ እቲ ካልኣይ ድማ ከምቶም ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኢትዮጵያ ከም ዝደለኽዋ እንተዘይዘዊረያ ትግራይ ክትግንፀል እያ ዝብል ቅዋም ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ 27 ዓመታት ግፍዓዊ ኣገዛዝኣ ስርዓት ህውሓት ክቕፅል ዝደሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዝየለ ዝገለፁ ኣይተ ሙስጦፌ፥ ትግራይ ክትግንፀልያ ዝብል ዕላማኡ ድማ ምስ ሓይሊ ወፃኢ ተሓባቢሩ ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ልኡኽቶኡ ዘረጋገፀ መርኣያ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፤ ህዝቢን መንግስትን ኢትዮጵያ ከምዘይፈቕደሉ ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment