ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣክቲቪስታትን ደገፍቲ ምዕራባውያን ሚዲያታትን “ሑመራ ማሳከር” ዝብል ናይ ሕሶት ወፍሪ ንምጅማር ምድላው ከምዝዛዘሙ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣክቲቪስታትን ደገፍቲ ምዕራባውያን ሚዲያታትን “ሑመራ ማሳከር” ዝብል ናይ ሕሶት ወፍሪ ንምጅማር ምድላው ከምዝዛዘሙ ተፈሊጡ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኬንያዊ ተንታኒ ጉዳያት ትማሊ ሓቂ ኢትዮጵያ ብዝባዕ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ብምግዋሕ ዝፍለጡ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ሱዳን ግዝኣት ገዳሪፍ ከምዝተኣኻኸቡ ኣቃሊዑ ነይሩ።

ፍልፍላት ትፕኢ ተኻፈልቲን ተኸፈልቲን ጥቕሚ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣክቲቪስታት ኣብ ሑመራ ጅምላ ጭፍጨፋ ተፈፂሙ ዝብል ወፍሪ ንምጅማር ምድላው ከምዝዛዘሙ ገሊፆም።

እቲ ዲጂታል ክንፊ ግብረ ራዕዲ ቅድሚ ሕዚ ተመሳሳሊ ናይ ሕሶት ወፍሪ ብምኽፋት ንመንግስቲ ንምውንጃል ምድላው ከምዝገበረ ዝበፅሖ መንግስቲ ኣቐዲሙ ብመፃረዪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን መጠንቀቕታ ኣውፂኡ ከምዝነበረ ይዝከር።

ኣቐዲሙ ዝተቓለዐ ኣክቲቪስት እቲ ጁንታን ከምኒ ሲኤንኤን ዝበሉ መራኸብቲ ሓፋሽን ዝሓሰቡዎ እንተየዕወቱ ቀሪዮም ኢዮም።

ሕዚ እውን ብማዕበል ህዝቢ ናብ ውግአእ ብምእታው “ሑመራ ማሳከር ብምባል ናይ ሕሶት ሓበሬታ ንምግዋሕ ሎሚ እውን ምድላዎም ከምዝዛዘመ ፍልፍላት ገሊፆም ተባሂሉ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሑመራ ማሳከር ብዝብል ንምግዋሕ እናተሰናደአ ዝርከብ ሽርሒ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ሱዳን ተኣኻኺቦም ይርከቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment