ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ጭናን ቆቦን ንንፁሃን ወገናት ብጅምላ ምጨፍጫፉ  ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ወሪሩ ሒዝዎም ዝነበረ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ከባቢታት ጭናን ቆቦን ዝርከቡ ንፁሃን ወገናት ብጅምላ ምጨፍጫፉ  ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊፁ።

እቲ ትካል ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ ሪፖርት÷ዕጡቓት እቲ ግብረ ራዕዲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፕውያን ካብ 31 ነሓሰ ክሳብ 9 መስከረም 2021 ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ንፁሃ ወገናት ብጅምላ ቀቲሉ እዩ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚ ጭና ቀበሌ ሓደ ኮይኑ፥ ነበርቲ እቲ ከባቢ ነቲ ትካል ከምዝገለፅዎ ዕጥቋት እቲ ግብረ ራዕዲ 26 ብግፍዒ ቀቲሉ እዩ ኢሎም፡፡

ብተመሳሳሊ 9 መስከረም ኣብ ከተማ ቆቦ እውን 23 ሰላማዊያን ሰባት ምቅታሎም መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝተዛረቡ ኣብቲ ሪፖርት ተሓቢሩ፡፡

ዳይሪክተር ጎንፂ  እቲ ትካል ላማ ፋኪህ ከምዝገለፀኦ÷ ዕጡቓት እቲ ግብረ ራዕዲ ንሂወት ወዲ ሰብን ንሕግታት ኩናት  ዘለዎም ሸለልተኛነትን ጭካነን ኣብ ኢዶም ዘለዉ ሰባት ብምቅታል ኣርእዮም እዮም፡፡

ብኻሊእ መዳይ እቲ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራ ብምስፍሕፍሑ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ወገናት ከም ዝተመዛበሉ ዝሓበረ እቲ ሪፖርት÷ ኣብቲ ክልል 3 ነጥብ 7 ሚሊዮን ወገናት ህፁፅ ሓገዝ ከምዘድልዮም ኣመላኺቱ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment