ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ጣቢያ መጋውሒ ፋና ኤፍኤም ደሴ ሰፊሕ ዕንወትን ዘረፋን ፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ጣቢያ መጋውሒ ፋና ኤፍኤም ደሴ ሰፊሕ ዕንወትን ዘረፋን ከምዝፈፀመ ተገሊፁ።

ኣብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት መካየዲ ስራሕ ፋና ኤፍ ኤም ደሴ ኣይተ ዘሩ ከፈለኝ ከምዝገለፁዎ፥ ግበረ ራዕዲን ወራሪን ህወሓት ነታ ከተማ ብወራር ሒዙ ኣብ ዝፀንሐሉ እዋን ልሳን ህዝቢ ኣብ ዝኾኑ መሰረተ ልምዓታት መራኸቢ ሓፋሽ ልዑል ዕንወት ኣብፂሑ ኢዩ፡፡

ጉዕዙኡ ጥፍኣት ብምግባር ኣብ ዝበፅሖ ኩሉ ሰይጣናዊ ተግባሩ እናርአየ ዝርከብ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ፥ ኣብ ደሴ ዝርከብ መጋውሒ ጣቢያ ፋና ኤፍ ኤም እውን ሰፊሕ ዕንወትን ዘረፋን ፈፂሙ ኢዩ ኢሎም፡፡

እቲ ጣቢያ ኣብ ከባቢ ክፋል ሰሜን ሸዋ፣ ዓፋርን ምብራቕ ኣምሓራን ንዝርከቡ ዜጋታት እዋናዊ ሓበሬታ ከምዘቃልሕ ኢዮም እቶም መካየዲ ስራሕ ዝገለፁ፡፡

እቲ ጉጅለ ብዘብፀሖ ዕንወት ነቲ ትካል ካብ ጥቕሚ ወፃእ ካብ ምግባሩ ሓሊፉ እቶም ኣቑሑት ንምትካእ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክርከቡ ዘይኽእሉን ክባር ስለዝኾኑን እቲ ፀገም ብዝበለፀ መተሓሳሰቢ ከምዝገብሮ ተዛሪቦም፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ደሴ ዝነበሮ ፃንሒት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ካልኦት ትካላት ፍልፍል ሓበሬታ ተመሳሳሊ ዕንወት ምብፅሑ ተመልኪቱ፡፡

ብይስማው ኣደራው

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment