ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን ዝርከቡ 40 ፋብሪካታት ጉድኣት ኣብፂሑ – ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን ዝርከቡ 40 ፋብሪካታት ጉድኣት ከምዘብፀሐ ብመፅናዕቲ ምርግጋፁ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይ መላኩ ኣለበል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ሸሞንተ ፋብሪካታት ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሖም ገሊፆም፡፡

እቶም ፋብሪካታት ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ስራሕ ከምዘይምለሱ እውን ተዛሪቦም፡፡

ሸሞንተ ድማ ማእኸላይ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ብምሕባር፥ 24 ዝኾኑ ፋብሪካታት ድማ ቀሊል ጉድኣት ከዝበፅሖም ኣይተ መላኩ ኣብሪሆም፡፡

ብቐሊሉ ናብ ስራሕ ዝኣትዉ ብሰብ ሞያ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ተሓጊዙ ናብ ስራሕ ንምእታው ስራሕቲ ከምዝተጀመሩ ገሊፆም፡፡

ጉድኣት ኣብ ዝበፅሖም 40 ፋብሪካታት ልዕሊ 11 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቶም ሰራሕተኛታት ምስ ስድረኦም ንምንግልታዕ ከምዝተቓልዑ ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ተግባር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንኢትዮጵያ ዘለዎ ፅልኢት ዘርአየሉ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፥ ዝዘረፉዎ ሃፍቲ ናይ ውሕመ ኣርማ ብዝተለጠፈለን መኻይን ፅዒኖም ከምዝወሰዱዎ ገሊፆም፡፡

ካብኦም ዝተረፈ ድማ ዘጌታት ኣገዲዶም ክዘርፉ ብምግባር ብካሜራ ከምዝቐረፁዎምን እዚ ድማ ንሕና ኣይዘረፍናን ብምባል ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንምብፃሕ ዝተሰርሐ ስራሕ ከምዝኾነን ተዛሪቦም፡፡

ብፈቲያ ኣብደላ

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment