ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዘበነ ግዝኣቱ ሕቶ መሰል ህዝቢ ኦሮሞ እናዓፈኖ ዝነበረ ቁስሊ ኣይሓወየን – ሕብረት ኣባ ገዳታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዘበነ ግዝኣቱ ሃፍቲ ህዝቢ ኦሮሞ ካብ ምዝራፍ ሓሊፉ ሕቶ መሰል ህዝቢ እናዓፈነን እናቀተለን ዝነበሮ ቁስሊ ኣይሓወየን ክብሉ ሕብረት ኣባ ገዳታት ገሊፆም።

ኣባላት እቲ ሕብረት ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንህዝቢ ኦሮሞ ብመንነቱ ቅንዕ ኢሉ ከይኸይድን ባህሉ ከየዕቢን ገይሩ ኢዩ፡፡

ኣብ 2009 ዓ.ም ኣብ ሆራ ኣርሰዲ ኣብ ዝነበረ በዓል ኢሬቻ ንምኽባር ዝተኣከበ ህዝቢ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ካብ ሓደ ስድራ ክሳብ ሓሙሽተ ዝበፅሑ ሰባት ዝሃለቑሉ ፍፃመ መርኣያ ጥፈኣት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment