ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ሓደ ገዛ 10 ንፁሃን ዜጋታት ብግፍዒ ቀቲሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ሓደ ገዛ 10 ንፁሃን ዜጋታት ብግፍዒ ከምዝቐተለ ተገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ህምራ ወረዳ ሰቖጣ ፍሉይ ሽሙ ወለህ ኣብ ዝበሃል ከባቢ 10 ንፁሃን ዜጋታት ብግፍዒ ምጭፍጫፉ ምምሕዳር እቲ ዞባ ገሊፁ፡፡

እቲ ጉጅለ ወይዘሮ ለምለም ኣዳነን ዝተብሃላ ነባሪት ቁሸት ወለህ ማርያም ምስ ደቀን ብጭካነ ከምዝቐተለን ተሓቢሩ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተቐተሉ ንፁሃን እቶም ሸውዓተ ወይዘሮ ለምለም ኣዳነን 6 ደቀንን እንትኾኑ፥ ካልኦት ሰለስተ ድማ ተመዛበልቲ ከምዝኾ ተገሊፁ።

ድርድር ሰላም ንደሓር ንጎኒ ብምግዳፍ ዳግም ጠበንጃ ዘልዐለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት፥ ጠበንጅኡ ኣብ ልዕሊ ንፁሃንን ባዕሎም ክከላኸሉ ክከላኸሉ ዘይኽእሉን ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ብከቢድ መሳርሒ ጨፍጪፉ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ዞባ ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment