ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ወረዳ ቆቦ ኣብ ልዕሊ ህፃዉንቲን ሽማግለታትን   ብከቢድ መሳርሒ ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ ፈፂሙ – ግዳያት

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ወረዳ ቆቦ ኣብ ልዕሊ ህፃዉንቲን ሽማግለታትን   ብከቢድ መሳርሒ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመሎም በቲ ደብዳብ ጥቕዓት ዝበፅሖም ግዳያትን ስድርኦምን ገሊፆም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ንሰላም ዝተወሃቦ ዕድል ገዲፉ ኩናት ኣብ ዝኸፈተሎም ኣብ ወረዳታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት መጥቓዕቲ ብምፍፃም ራዕዳዊ ተግባሩ እናቐፀለሉ ይርከብ ተባሂሉ።

ብማዕበል ህዝቢ መናእሰይን ህፃውንትን ትግራይ ሓሊፉ ወራር ዝፈፀመ እቲ ግብረ ራዕዲ÷ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ቆቦ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብከቢድ መሳርሒ ዝተሓገዘ መጥቓዕቲ ፈፂሙ።

ንፁሃን ብምጉዳእ ዝፍለጥ እቲ ግብረ ራዕዲ÷ ናይ ሓረስቶት ገዛ ብመድፍዕ ብምድብዳብ ኣብ ልዕሊ ህፃዉንቲን ሽማግለታትን መጉዳእቲ ከምዘብፀሐ ተገሊፁ።

እቲ ግብረ ራዕዲ÷ 19 ነሐሰ 2014 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ብዝፈፀሞ ደብዳብ ከቢድ መሳርሒ ኣይተ ደሳለ ትኩየ ዝተበሃሉ ወዲ 60 ዓመት በዓል ፀጋ ዕድመን ስድርኦምን ከቢድ መጉዳእቲ ኣብፂሑሎም።

በቲ ዝፈፀሞ ደብዳብ ከቢድ መሳርሒ ከፍቲ እናሓለው ዝነበሩ ዕሸላት ንከቢድ ጉድኣት ኣካል ኣቃሊዕዎም እዩ።

ሕክምና እናተኸታተሉ ካብ ዝርከቡ ጉዱኣትን ስድርኦምን እቲ ግብረ ራዕዲ ህፃውንቲ ናብ ኩናት እናዳጎነ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሓረስቶትን ዕሸላትን ንከቢድ ጉድኣት ኣካል ዘቃልዕ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ተዛሪቦም።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ህፃናት ትግራይ ናብ ሓዊ ብምድጓን ወራር እናፈፀመ፤ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን መጥቃዕቲ ብምፍፃሙ ብዓለም ለኸ ገበን ኩናት ዘሕትት ራዕዳዊ ተግባሩ እናቐፀለሉ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment