ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክል ዓፋር ብዘብፀሖ መጥቃዕቲ 759 ኣቢያተ ትምህርቲ ዓኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ክልል ዓፋር ዝርከባ 21 ወረዳታት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዘብፀሖ መጥቃዕቲ 694 ኣቢያተ ትምህርቲ ብኽፋልን 65 ኣቢያተ ትምህርቲ ሙሉእ ቡሙሉእን ብሓፈሻ 759 ኣቢያተ ትምህርቲ ዓኒዮም።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ዓፋር ዓሊ መሓመድ ከምዝገለፁዎ፥ ዝዓነዉ ኣቢያተ ትምህርቲ መሊስካ ንምህናፅን ስራሕቲ ትምህርቲ ንምቕፃልን ኣብቲ ክልል ካብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝተውፃእፅኡ መዳርግቲ ኣካላትን ኣመራርሓታትን ብዘካተተ መልክዑ ዝተወደበ ጉጅለ ናብ ስራሕ ኣቲዩ ኣሎ፡፡

ንሓፈሻዊ ፅገናን ህንፀትን ዘድሊ ወፃኢ ተሰሊሑ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምዝኸውን እውን ኣብሪሆም፡፡

ዝዓነዉ ኣቢያተ ትምህርቲ መሊስካ ንምፅጋንን ንምህናፅን ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ ምጅማርን ሕብረተሰብ ርብርብ ንኽገብር ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment