ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ዝገብሮ ፅሕተራ ደው ንከብል ብሰልፊ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ወረዳ ገዋሌ ዞባ ገቢረሱ ክልል ዓፋር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ዝገብሮ ፅሕተራ ደው ንከብል ብዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ ሓቲቶም።

ሎሚ ኣብቲ ወረዳ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ኣብ ከባቢ ከልበቲ ረሱን ኣብዓላን ዝገብሮ ቅትለት ንፁሃን ዜጋታት ደው ንከብል እቶም ነበርቲ ሓቲቶም።

ሓላፊ ኮሚኒኬሽን እቲ ወረዳ ኣይተ ማስረሻ ሃብቴ ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ሽማግለታትን ዘብፅሖ ዘሎ ብከቢድ ኣፅዋር ዝተሓገዘ ጭፍጨፋ ብምውጋዝ ደው ንከብል ነበርቲ ሓቲቶም።

ምክትል ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይተ ሞሚን ኣዳጎ ብግደኦም፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ቅደም ክብል ኣብ ግንባር ጭፍራ ዝበፅሖ ስዕረት ሐዚ እውን ክጉልበብ ኢዩ ኢሎም።

“ዓፋር ብኢትዮጵያውነት ኣይደራደርን፤ ኣድላዪ መስዋእቲነት ብምኽፋል እቲ ግብረ ራዕዲ ክነጥፍኦ ኢና” ዝብሉን ካልኦትን ተመሳሰልቲ ጭርሖታት በቶም ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ምግላፆም ተሓቢሩ።

ብሳምራዊት የስጋት

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment