ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ዘብፀሖ ጉድኣት ዘመልክት ንዲያስፖራታት ገለፃ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፃውዒት ቀዳማይ ሚኒስተር ተቐቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ንዝመፅኡ ኢትዮጵያውያን ዲያስፖራታት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ጋሊኮማ፤ ኡዋ፤ በራህሌን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዘብፀሖ ጨፍጫፍን ዕንወትን ዘርኢ ዓወደ ምርኢት ቀሪቡ፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ጋሊኮማ፤ ኡዋ፤ በራሕለን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ብኸቢድ መሳርሒ ዘብፀሖ ጅምላዊ ጨፍጫፍ፤ ኣብ ልዕሊ ኣዴታትን ህፃናትን ኢሉውን ሰብ ፀጋ ዕድመ ዝበፅሐ ስነ-ልቦናዊ ፅዕነቶ፤ ቁርኣን ምቅፃል ሓዊሱ ኣብ መስጂድ ዝበፅሐ ኸቢድ ዕንወት፤ ኣብ ታካላት ጥዕና ዝበፅሐ ልዑል ኪሳራ፤ ኣብ ዘፈር መሰረተ ልምዓት ማይን መስኖን፤ ኣብ ዘፈር ትምህርቲ፤ ኢሉውን ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሕርሻን እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ዘብፀሖ ኸቢድ ክሳራ ዘደህስስ  ዓወደ ምርኢት ንዲያስፖራ ኢትዮጵያውያን ከምዝቐረበን መብረሂ ከምዝተዋሃቦምን ተገሊፁ፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብ ኣብ ህዝቢ ዓፋር ዘብፀሖ ጉድኣት ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡዎም፡፡

እቲ ምርኢት÷ ጎና ጎኒ “ዳያስፓራን ህንፀት ሀገርን” ብዝብል መሪሕ ቃል እናተኻየደ ዝርከብ መድረኽ ዘተ ዝቀረበ እዩ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment