ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ከተማ ጎብዬ ንፁሃን ዜጋታት ብጅምላ ከምዝጨፍጨፈ ነበርቲ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ከተማ ጎብዬ ንፁሃን ዜጋታት ብጅምላ ካብ ምጭፍጫፍ ጀሚሩ ነብሰ ፁር ኣደታት ሕክምና ብምኽልካል ክሞታ ክሳብ ምግባር ዝበፅሐ ግፍዒ ምፍፃሙ ነበርቲ እታ ከተማ ተዛሪቦም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣብ ክልላት ኣምሓን ዓፋርን ብወራር ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ንፁሃን ብጅምላ ካብ ምቕታል ብተወሳኺ ልዑል ዘረፋ ንብረት ፈፂሙ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝፈፀሞ ግፍዒ ኣብ ከተማ ጎብየ እውን ደጊሙዎ ኢዩ፡፡

ሓይሊታት እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብታ ከተማ ብጅምላ ንፁሃን ጨፍጪፎም፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣገዲዶም ደፊሮም፣ ንብረት ዘሪፎም ክወስዱዎ ዘይከኣሉ ድማ ኣዕኒዮም ኢዮም ኢሎም እቶም ነበርቲ፡፡

እቶም ነበርቲ፥ ነብሰ ፁር ኣዴታት ሕክምና ከይረኽባ ብምኽልካል ኣደታት ሓዊሱ ዕሸል ህፃናት ክሞቱ ምግባሮም ተዛሪቦም፡፡

ናይ ነበርቲ ጁባ ክብ ምፍታሽ ጀሚሩ ልዑል ዘረፋ ምፍፃሞም ብምፅራሕ በዚ ድማ ንፀገም ከምዝተቓልዑ ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡

ብወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝተዋፈረ ጥምረት ሓይሊታት ፀፅታ ካብቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ናፃ ብምውፅኡ ከምዝተሓጎሱ እውን እቶም ነበርቲ ገሊፆም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment