ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ከተማ ቆቦ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 89 ሰባት ቀቲሉ ብጅምላ ቀቢሩ ኢዩ – ነበርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ከተማ ቆቦ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 89 ንፁሃን ሰባት ቀቲሉ ብጅምላ ከምዝቐበረ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተዛሪቦም።

ስድራ መወትቲ እውን ኣስከሬን ከየልዕሉን ሓዘን ከይቕመጡን ብምኽልካል ይቕረ ዘይበሃል ግፍዒ ከምዝፈፀመሎም ገሊፆም።

ነበርቲ እታ ከተማ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብታ ከተማ ብሰለስተ ዙር ካብ ዝተገበረ ውግእ ንላዕሊ ዝኸፍአ ሓርበኛታት ራያ፣ ሚሊሻን ዕጡቓትን እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንምክልኻል 4 ጳጉሜ 2013 ዓ.ም ብዝገበሩዎ ልዑል ተጋድሎ፥ ቂም ዝሓዘ እቲ ጉጀለ ኣብ በቢከባቢኡ ዝረኸቦም ሓረስቶት፣ ወዛደራት፣ ኣዴታት መንነት መሰረት ብምግባር ምጭፍጫፉ ተዛሪበም።

ብሓፈሻ ብወራር ኣብ ዝፀንሐሎም እዋን 600 ዝኾኑ ንፁሃን ከምዝቐበሩ ገሊፆም።

5 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም ኣብ ከተማ ቆቦ ጥራሕ እቲ ጉጅለ ዝጨፍጨፎም 89 ንፁሃን ዜጋታት ብጅምላ ከምዝቐበሩ ኣመልኪቶም።

ንፅባሒቱ ኣብ ሓዱሽ ዓመት መዓልቲ እውን 16 ንፁሃን ተቐቢሮም ኢዮም ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሓዘን ስለዝኸልከለ፥ እቶም ኣስከሬናት እንተይተሓፀቡን ኣድላዪ ስነ-ስርዓት እንተይተገበረሎም ብኻሻ ተጠቕሊሎም ናብ ቀብሪ ከምዝወሰዱዎም ምግላፆም ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment