ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ደሴ ነቲ ዝኸኣሎ ብምዝራፍ ዘይከኣሎ ድማ ኣዕንይዎ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ 29 ሕዳር ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ደሴ ነቲ ዝኸኣሎ ብምዝራፍ ዘይከኣሎ ድማ ከምዘዕነዎ ተገሊፁ።

ግዜያዊ ኣተሓባባሪ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ጌታቸው መታፈርያ ከም ዝበልዎ÷ እቲ ጉጅለ ግበረ ራዕዲ ስራሕቲ ሰብኣዊን ኣገልግሎትን ምድሓን ህይወት እናካየደ ዝነበረ ሪፈራል ሆስፒታል ደሴ ልዑል ዕንወት ኣብፂሑ እዩ።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ካብቲ ሆስፒታል ብተወሳኺ ብወራር ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ንብረት መንግስትን ውልቀሰባትን ከምዝዘረፈን ክወስዶም ዘይከኣለ ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዘዕነዎምን ተገሊፁ።

ብፍላይ ኣብ ልዕሉ ትካላት መገልገሊ ህዝቢ ልዑል ዝኾነ ዘረፋ ዝፈፀመ እንትኸውን÷ ካብ ሞንጎ እቶም ትካላት ድማ ሪፈራል ሆስፒታል ደሴ እቲ ሓደ ከምዝኾነ እቶም ኣተሓባበሪ ገሊፆም።

ኣይተ ጌታቸው ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከም ዝገለፅዎ፤ ሓይልታት እቲ ጉጅለ ግበረ ራዕዲ ንኣፋውስ ሓዊሱ ዓበይቲ ማሽነሪ ሕክምና ዘሪፉ ወሲዱ ኢዩ።

ብፍላይ ኣብ ቀረባ ተመሪቑ ኣብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታል ኣገልግሎት እናሃበ ዝነበረ መፈልፈሊ ኦክስጅን ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝተዘረፈ ኣብሪሆም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment