ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ ጭፍጨፋ ዝዝክር ሰልፊ ኣብ ሽንግተን ዲሲ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ ጭፍጨፋ ዝዝክርን ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ዝቃወምን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሽንግተን ዲሲ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ መበገሲኡ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብምግባር መወዳእትኡ ድማ ዋና ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝኾነ “ካፒቶል ሂ” ብምግባር ሓሙስ 24 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ ጭፍጨፋ ከምዝዝከር÷ ኣካቢ ሰላምን ሓድነትን ንኢትዮጵያ ግብረ ሓይሊ ዋሸንግተን ኣይ ጣሰው መላከ ህይት ንግዜኢ ገሊፆም።

እቶም ሰልፈኛታት ሓደሓደ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ፅዕንቶን ኢድኣእታውነትን ዝቃወሙን ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንኸዓስል ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠጠው ንኽትብልን ዝሓቱ መልእኽቲታት ከመሓላልፉ ኢዮም ኢሎም።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment