ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እንስሳት ግፍዒን በደልን ይፍፅም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ብሄረሰብ ዋግህምራ ወረዳ ጋዝጊብላ ቁሸት ዛሮታ ንብረት ሓረስቶት ዝኾኑ እንስሳት ብምቕታል ቀንዲ ፀላኢ ህዝቢ ምዃኑ ኣርኢዩ ተባሂሉ።

በቲ ወራሪ ጉጅለ ጉድኣት ዝበፅሖም ሓረስቶት፥ “ሓሪስና፣ ኣልሚዕና ቆልዑት ክነዕብየሉ ኢና፤ ካብ ሕርሻ ብተወሳኺ ህይወትና ክንመርሕ ኢና፤ ክንግልገለሉ ኢልና ንተኣማመነሎም ኣብዑር፣ ኣጣልን ኣባጊዕን ከምኡ እውን ደርሁ በቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ተቐቲሎምና” ኢሎም።

ዝኸኣሎ በሊዑ እንስሳት ብግፍዒ ብምቕታል ካብ ጥቕሚ ወፃእ ብምግባር ቅስሚ ሓረስቶት ከምዝሰበረ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ዞባ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

እንስሳት ብምዝራፍን ብምቕታልን እቲ ጉጅለ ንሓረስቶት ዘለዎ ልዑል ፅልኢ ዘርአየሉ ሰይጣናዊ ተግባር ከምዝኾነ እውን ተጎዳእቲ ኣረዲኦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment