ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ክሕደት ዝፈፀመሉ 24 ጥቅምቲ ኣብ መምርሒ ሰራዊት ምክልኻል ብፍሉይ ኩነታት ተዘኪሩ ክውዕል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ክሕደት ዝፈፀመሉ 24 ጥቅምቲ ኣብ መምርሒ ሰራዊት ምክልኻል ብፍሉይ ኩነታት ተዘኪሩ ከምዝውዐል ሚኒስቴር ምክልኻል ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስቴር ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሃገር ናይ ምፍራስ ዕላማ በመሓዝ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ጨፍጫፍ ከምዝፈፀመ ኣዘኻኪሮም።

በዚ ድማ ፀረ ሀዝብን ሃገርን ምዃኑ ብተግባር ከምዘመስከረ ሓቢሮም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ክሕደት ዝፈፀመሉ ካልኣይ ዓመት 24 ጥቅምቲ ኣብ መምርሒ ሰራዊት ምክልኻልን ሰራዊት ኣብ ዘለዎ ቦታን ብፍሉይ ኩነታት ተዘኪሩ ክውዕል ኢዩ ኢሎም።

ከምዚ ዝበለ ተግባር ጥፍኣት ዳገም ንከይሕሰብ ንምግንዛብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment