ግብረ ራዕዲ ህወሓት “ኢትዮጵያ ከፍርስ ኢያ” ምንቅስቓስ ናይ ሃገር ክሕደት ከምዝኾነ ናይ ጌታቸው ረዳ ሓው ሃይለ ረዳ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ነሓሰ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት “ኢትዮጵያ ከፍርስ ኢያ” ምንቅስቓስ ናይ ሃገር ክሕደት ከምዝኾነ ናይ ጌታቸው ረዳ ሓው ሃይለ ረዳ ገሊፆም።

ኣብ ዓፋር ክልል ሰመራ ዩኒቨርሲቲ ናይ ስነ-ዜጋ መምህር ሃይለ ረዳ፤ ግብረ ራዕዲ ህወሃት ናይ ትግራይ ህዝቢ ምስ ጎረባብቲ ክልላት ደም ንምቅባእ ትንኮሳ ምግባሩ ፍፁም ተቐባልነት የብሉን ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ራዕዲ ዶብ ዝሕሊ ናይ ሃገር መከላኸሊ ሰራዊት ሰሜን እዚ ድንገት ብምጥቃዕ ዝፈፀሞ ዘግናኒ ተግባር ብዝኾነ መልክዑ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ተዛሪቦም።

“ኣብ ኢትዮጵያ ዘየድሊ ጎንፅን ጦርነትን ንኽካየድ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ቆሪፁ ብምልዓል ናይ ፀገማት ኩሉ ምኽኒያት ኮይኑ ኢዩ” ኢሎም።

ብተወሳኺ ናይ ትግራይ ህፃናት ንጦርነት መልሚሉ ብምስላፍ ልዑል ገበን ይፍፅም ኣሉ እውን ኢሎም መምህር ሃይለ ረዳ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment