ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዝተፀገሙ ወገናት ተባሂሉ ናብቲ ክልል ዝለኣኽ ምግቢ ንኲናት እናተጠቐመሉ ከምዝኾነ ተረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዝተፀገሙ ወገናት ተባሂሉ ናብቲ ክልል ዝለኣኽ ምግቢ ንኲናት እናተጠቐመሉ ከምዝኾነ ተረጋጊፁ።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝኸፈቶ ሳልሳይ ዙር ኲናት ስዒቡ ሃዲሙ ኣብ ዝኸደሎም ከባቢታትን ድፋዓትን ዓለም ለኸ ሓገዝቲ ትካላት ንዝተፀገሙ ወገናት ዝለገሱዎ ሕሩጭ፣ ሃናፂ ምግቢን ካልኦት ናውቲታትን እናተረኸበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ፥ ሓገዝ እኽሊን ናውቲን ብምዝራፍ ንተግባር ኲናት እንተውዕል እዚ ናይ መጀመርትኡ ከምዘይኮነ ይፍለጥ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዝፈፀሞም ወረራታት፥ ዕጡቓቱ ኣብ ፀገም እንተወዲቖም ካብ ጎሮሮ ነበርቲ እተን ክልላት ዘሕደጉዎም ሃነፅቲ ምግቢታት እናተጠቐሙ ከምዝነበሩ ብሓበሬታ ተረጋጊፁ ኢዩ።

እቲ ናይ ሕዚ ኲናት እንትኸፍት እውን መቐለ ካብ ዝርከብ መኽዚን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሓገዝ ንምክፍፋል ዝውዕል 570 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲ ከምዝዘረፈ ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment