ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናብ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይቐርብ ዕንቅፋት ምዃኑ ከምዝቐፀለሉ መንግስቲ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናብ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይቐርብ ዕንቅፋት ምዃኑ ከምዝቐፀለሉ መንግስቲ ገሊፁ።

ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይ ብስሙ ካም ምንጋድ ወፃእ ጠጠው ኢለሉ ኢሉ ንዝሰብከሉ ህዝቢ እኳ ሰብኣውነት ዘይስመዖ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

ንኣብነት ድማ ሓገዝ ፅዒነን ናብቲ ክልለ ዝኣተዋ 1010 ተሽከርከርቲ ተመሊሰን ርዳእታ ፅዒነን ናብቲ ክልል ክምለሳ ኣብ ክንዲ ምግባር ሓይሊ እቲ ግብረ ራዕዲ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እንትወርር መጓዓዓዚ ሰራዊቱ ገይሩ ከምዝተጠቐመሎም ገሊፁ።

ካብዚ ብኢሱ ድማ ብግዚያውነት ወራር ፈፂሙ ዝፀንሐሎም ከም ኮምቦልቻን ካልኦትን ካብ ዝርከቡ ናይ መንግስቲን ናይ ውልቀን መኻዚን ዝዘረፎ ስርናይን ካልኦት ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ቀረባት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ መኻዚናት ድሕሪ ምኽዛን ናብ ትግራይ ሓገዝ መእተዊ ኣብ ዝኾነ መስ መር ኣብዓላ ወራር ብምፍፃም ተኹሲ ከበድቲ መሳርሒታት ብምኽፋት እቲ መስመር ክዕፆ ምግባሩ ኣብሪሁ።

“ከም ውድብ ጥዕና ዓለም ዝበሉ ንኹሉ ሰብ ጠጠው ኢልና ዝብሉ ዓለም ለኸ ትካላት ግን እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ዝወረረሉ እዋን ሆስፒታላትን ጣቢያ ጥዕናታትን እንትዘርፍን እንተዕኑን ንፁሃን እንትደፍርን እንትቐትልን ተግባር እቲ ግብረ ራዕዲ እንትኹንኑ ኣይተሰምዑን” ኢሉ።

እኳ ደኣስ መንግስቲ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ከየኣቱ ይገብር ኣሎ ብዝብል እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ዘስመዖ ፕሮፓጋንዳ ተቐቢሎም እናጋውሑ ከምዝርከቡ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ እዚ ድማ ብመንግስቲ ፍፁም ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment