ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝገብሮ ፅሕተራ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ድሕንነቱ ውሑስ ኣብ ዝኾነ ቦታ ናይ ምስፋር ስራሕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝገብሮ ፅሕተራ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ድሕንነቱ ውሑስ ኣብ ዝኾነ ቦታ ናይ ምስፋር ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ኮሚሽን ብሄራዊ ሓደጋን ድልውነትን ኣመራርሓ ስራሕን ገሊፁ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘብፅሖ ግፍዒን በደልን ዝተመዛበሉ ዜጋታት ቁፅሮም ይውስኽ ኣሎ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከተማ ራያ ቆቦ 56 ሺሕን 701 ዜጋታት ኣብ ሓሙሽተ መዓስከራት ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።

እቶም ዜጋታት ኣብ ካሊእ ቦታ ንምስፋር ዝተፈላለዩ ትካላት ዘለውዎ ኮሚቴ ስራሕቲ መረፃ ቦታ የካይድ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ሃብሩ፣ ጣቢያ ጃራ ነቶም ተመዛበልቲ ዝኸውን ቦታ ከምዝተመረፀ ገሊፆም።

ናብቲ መዓስከር ንዝኣትዉ ዜጋታት ኣድላዪ ምግብን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲን ይቐርብ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

እቶም ዜጋታት ንምጉዕዓዝን ካልኦት ወፃኢታትን ዝኸውን እቲ ኮሚሽን 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ከምዝሃበ ተዛሪቦም።

ዓለም ለኸ ትካላት ረድኤት፣ ትካላት ውሽጢ ዓዲን ሰብ ሃፍቲን ኣብቲ መዓስከር ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክገብሩ ኣይተ ደበበ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብመላኩ ገድፍ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment