ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብሰለስተ ኣንፈት ዘሰለፎ ጉጅለ  ሙሉእ ንሙሉእተደምሲሱ- ሌ/ጀነራል ባጫ ደበሌ

ኣዲስ ኣበባ፣  29 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብሰለስተ ኣንፈት ዘሰለፎ ጉጅለ  ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝተደምሰሰ ዋና ኣተሓባባሪ ህንፀት ሰራዊት ሚኒስቴር ምክልኻል   ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ገሊፆም።

ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌኣብ እዋናዊ ኩነታትብምድሃብ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ብጀነራል ምግበይ ዝምራሕን ኣርሚ ሓደ ዝበሃልን ሓይሊ ብከባቢ ሑመራ ደባርቕን ዳባትን ብምቑራፅ ጎንደር ንምሓዝ እንተደለየ እውን ሙሉእ ንሙሉእ ተደምሲሱ ኢዩ ኢሎም።

ስለ ዝኾነ  ኣሸባሪ ህወሓት ናብ ሱዳን ንምውፃእ ዝተለሞ  ሙከራ ከይተሳኸዐሉ ከምዝተረፈ ተዛሪቦም።

ኣርሚ ክልተ ዝበሃልን ብከሓዲ ሜ/ጀነራል ዮሐንስ ወ/ጊዮርጊስ ዝምራሕን ሓይሊ ኣብ ጋሸና ካብ ክምር ድንጋይ ጀሚሩ ብዝተገበረ ውግእ ክልተ ክፍለጦራት ከምዝተደምሰሱ ገሊፆም።

ኣርሚ ሰለስተ ዝበሃል ድማ ካብ ወፃኢ ብብ/ጀነራል ፍስሃ ዝምራሕን ዝሰልጠነን ኣብ ሽንፋ ምስ ቅማንት ተቖፃሪ ጉጅለ ብምትሕብባር መጥቃዕቲ እንተሰንዘረ እውን ከምዝተደምሰሰ ብምግላፅ ዝተረፈ እውን ናብ ዝመፅኣሉ ከምዝተመለሰ ሓቢሮም።

እቲ ሓይሊ ብፍላይ ናይ ህዳሴ ግድብ ስራሕ ንምትእጉጓል እንተሓሰበ እውን ብጀግና ሰራዊት ከምዝተደምሰሰ ሓቢሮም።

እቲ ኣሸባሪ ገጅለ ዝበፅሖ ዘሎ  ኪሳራ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ ዝበሉ  ጀነራል ባጫ ብፍላይ መናእሰይ ትግራይ ወድእ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ጁንታ ብ10ሺሕ ዝቑፀሩ መናእሰይ ትግራይ ከምዘሰለፈ ብምግላፅ፥ ይኹን እንበር ኣብቲ ጦርነት ልዕሊ 5 ሺሕን 600 ዕጡቓእ ክምዝተደምሰሱ ገሊፆም።

ልዕሊ 2ሕን 300 ዕጡቓት እንትቖስሉ÷ 2ሺሕ ሰባት ድማ ተማሪኸም ኢሎም።

ዝረረፉ ስልጠና ዘይወሰዱን ብድልየት ዘይኣተዉን ብምኳኖም ይከምዝሃደሙ ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

<span;>ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

<span;>ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

<span;>ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
<span;>ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
<span;>https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

<span;>ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
<span;>https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
</span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;>

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment