ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሸሊኹ ኣብ ዝኣተወሎም ከባቢታት ዞባ ደቡብ ወሎ ይውቃዕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሸሊኹ ኣብ ዝኣተወሎም ከባቢታት ዞባ ደቡብ ወሎ ይውቃዕ ኣሎ ክብሉ ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ገሊፆም።

ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ኣብዱ ሁሴን እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ብጥምረት ሓይሊታት ፀፅታ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፌዴራል ፖሊስ፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ፋኖን ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታን እቲ ግብረ ራዕዲ ይውቃዕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ቀብሪ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ንምፍፃም ዝቑጠብ ጉልበት ይኹን ገንዘብ ኣይህሉን ብምባል መላእ ማሕበረሰብ ቁርፀኛ ብምዃን ሃገር ናይ ምድሓን ወፍሪ ህልውና ይንቀሳቐስ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ግብኣተ መሬት እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ምድሪ ወሎ ንምፍፃም ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክረባረብ ይግባእ ዝበሉ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ፥ በዚ እውን ኣብ ሓፂር ጊዘ እቲ ወፍሪ ህልውና ብምዝዛም ናይ ምዕባለ ጉዕዞና ክንቅፅል ኢና ኢሎም።

ብኣዲሱ ሙሉነህ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment