ግብረ ራዕዲ ህወሓት ስግኣት ምዃን ኣብ ዘይኽእለሉ ብርኪ ክሳብ ዝበፅሕ ዕዙዝ ኣበርክቶ ዲያስፖራ ተጠናኺሩ ክቕጽል ይግባእ – ዶ/ር ይልቃል ከፋለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ስግኣት ምዃን ኣብ ዘይኽእለሉ ብርኪ ክሳብ ዝበፅሕን ጉድኣት ንዝበፅሖም ትካላት መሊስካ ንምህናፅን ዕዙዝ ኣበርክቶ ዲያስፖራ ተጠናኺሩ ክቕጽል ከምዝግብኦ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ሓቲቶም።

ኣባላት ዲያስፖራ ክልል ኣምሓራ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልል ኣብ ከተማ ባህር ዳር ይዝትዩ ኣለዉ።

ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ይልቃል ከፋለ ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣበርክቶ ዲያስፖራ ንምድምሳስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝተገበረ ርብርብ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝገበርዎ ሓገዝ ልዑል ቦታ ዝወሃቦ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ቃልስና ብብዙሓት ዘፈራት እዩ” ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ እዚ ኲናት ዋላ እኳ ናይ መጀመርታ ግንባር እንተኾነ፤ በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝዓነዉ ትካላት መሊስካ ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ርብርብ እቲ ካልኣይ ግንባር ምዃኑ ኣብሪሆም።

ነዚ ድማ ማሕበረ ሰብ ዲያስፖራ እጃሞም ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግበኦም ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብማዕረግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ዘፈር ማሕበራዊ ክላስተርን ኮሚቴ ኣካቢ ኣቀባብላ ዲያስፖራ ክልል ኣምሓራ ኣይተ ስዩም መኮንን ብግደኦም÷ ሓይሊ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ 7 ዞባታት ክልል ኣምሓራ ብምውራር ዝስካሕክሑ ግፍዒታት ከምዝፈፀመ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ብርብርብ መላእ ኢትዮጵያውያን ወሪሩ ካብ  ዝሓዞም ከባቢታት ተፀራሪጉ ንኽወፅእ ተገይሩ እዩ ዝበሉ ኣይተ ስዩም÷ ኣብዚ ቃልሲ ህዝቢ ኣምሓራ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ብምንቕቓሕ ኣብ ልዕሊ እቲ ግጅለ ግበረ ራዕዲ ልዑል ዓወት ምምዝጋቡ ገሊፆም።

“ሐዚ እውን እቲ ጉጅለ ግበረ ራዕዲ ንሃገር ስግኣት ኣብ ዘይኾነሉ ብርኪ ክሳብ ዝበፅሕ ቃልስና ኣጠናኺና ክንቕፅል ይግበአና” ክብሉ ምግላፆም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment