“ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሕጻናት ናብ ኲናት ምእታዉ የተሓሳስበኒ” – ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ ጀራልድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሕፃናት ናብ ኲናት እናእተወ ማሕበረሰብ ዓለም ብስቕታ ምሕላፉ ከምዘተሓሳስበን ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ ጀራልድ ገሊፀን።

ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ ጀራልድ፥ ኣብ ካናዳ ተመራማሪት ዓለም ለኸ ጉዳያት ፀፅታን ኣብ ባልሲሊ ዲን ዓለም ለኸ ጉዳያት ትምህርቲን ኢየን፡፡

እተን ፕሮፌሰር ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ኢትዮጵያ ጎንፂ ካብ ዝለዓል ንደሓር ኣብቲ ጉዳይ ትኹት ብምግባር ዓብዪ መፅናዒቲ ብምግባር ውፅኢት ዘመልከታ ፈላመይቲ ተመራማሪት ብምዃን ይፍለጣ።

ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ ጀራልድ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናብ ኲናት ክዳጉኖም ብሓይሊ ዝመልመሎምን ብሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተናሪኾም ህይወቶም ዝተረፉን ህፃናት ቅድሚ 6 ኣዋርሕ ረኺበን ብምዝርራብ ምስክርነተን ኣብ መፅናዕተን ኣካቲተን፡፡

“እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ሕዚ እውን ካብ መንግስቲ ዝቐረበሉ ኣማራፂ ሰላም ንደሓር ብምሕዳግ፥ ህፃናት ኣገዲዱ ብምምልማል ናብ ኲናት ምእጓዱ ቀፂሉ ኣሎ” ኢለን፡፡

ካብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብሓገዝ መልክዕ ናብ ሕብረተሰብ ንኽቐርብ ዝተልኣኸ ምግቢን ሃነፅቲ ንጥረ ነገራትን ብቐጥታ ካብ ተሓገዝቲ ህዝቢ አሕዲጉ ንሰራዊቱ ከምዘውዕል እተን ፕሮፌሰር ምስ ፋና ብሮድካስንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ተዛሪበን፡፡

እተን ተመራማሪት ምርምረን ንምስራሕ ናብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ብፍላይ ናብ 5 ወረዳታት ክልል ዓፋርን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜንን ደቡብን ከምዝተንቀሳቐሳ ገሊፀን።

ህዝቢ ትግራይ እውን ኣብ ትሕቲ ፅዕንቶ እቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዝወደቐ ኣብሪሀን፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብካልኣይ ዙር ወራር ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ከበድቲ መሳርሒታት፣ ስናይፐርን ካልኦት ዘበናዊ መሳርሒታትን ከምዝተጠቐመ ገሊፀን፡፡

እዚ ድማ ንክልላትን ነበርቲን እቲ ኲናት ከቢድ ከምዝገበረሎምን ከባቢኦም ሓዲጎም ንኽመዛበሉ ከምዘገደዶም ኣዘኻኺረን፡፡

ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ፀገም ከምዘሎ ይፍለጡ እምበር፥ እቲ ፀገም መፂኦም ብምዕዛብ ሓቀኛ ሓበሬታ ኣብ ክንዲ ምግዋሕ ነቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ብምድላው እቲ ጉጅለ ዝእክቦም ሓበሬታታት ከምዝፅብፅቡ ተዛሪበን።

ብምዃኑ ድማ እቲ ኲናት ብኣካል ምስ ዝዋጋእ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ከምዝኾነ ክርዳኣ ከምዝኸኣላ ኣብሪሀን።

ዓለም ለኸ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ብሰፊሕ ናይ ምርመራ ጋዜጠኝነት ሓቂ ኣውፂኦም ንማሕበረሰብ ዓለም ከብፅሑ ይግባእ ዝብል ምኽረ ሓሳብ እውን ሂበን፡፡

ብወንደሰን ኣረጋኸኝን ኣለማየሁ ገረመውን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment