ግሩፕ ቴሌኮም ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ሱዳንን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮ ቴሌኮም፣ ጅቡቲ ቴሌኮምን ሱዳቴልን መካከል ስትራቴጂያዊ ምሕዝነት ሆራይዘን ፋይበር ኢኒሼቲቭ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ተገይሩ፡፡

ግሩፕ ቴሌኮም እተን ሃገራት ኣፍሪካ ምስ ካሊእ ዓለም ልዑል ዓቕሚ ብዘለዎ ፋይበር ኮኔክቲቪቲ ንምትእስሳር ዘኽእል ስምምዕነት ምሕዝነት “ሆራይዘን ፋይበር ኢኒሼቲቭ” ተፈራሪሞም።

ካበዚ ብተወሳኾ እቲ ስትራቴጂያዊ ምሕዝነት÷ ምትእስሳር ዲጂታል መሰረተ ልምዓት እቲ ዞባ ዝልውጥ ኣዚዩ ዘተኣማምንን ዝዓዘዘ ኮኔክቲቪቲ ምፍጣርን ዘኽእል ልዑል ዓቕሚ ዘለዎ መሰረተ ልምዓት ፋይበር ኦፕቲክ ውሽጢ መሬት ብምዝርጋሕ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኣፍሪካ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ኢኒሼቲቭ፤ ኢትዮ ቴሌኮም፣ ጂቡቲ ቴሌኮምን ሱዳቴልን ሓበራዊ መሰረተ ልምዓትን ፍልጠቶምን ብምጥቃም ኣተኣማማናይነቱ ዝተረጋገፀ ልዑል ዓቕሚ (መልቲ ቴራቢት) ዘለዎ ኣማራፂ ፋይበር መስመር ንኽዝርጋሓ ዘኽእል ከምዝኾነ ኢትዮ ቴሌኮም ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ ሓሬታ ኣረጋጊፁ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment