ግምቶም ልዕሊ 23 ሚሊየን ብር ዝኾኑ ኣቕሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልቲታት ግምቶም ልዕሊ 23 ሚሊየን ብር ዝኾኑ ኣቕሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣዋሽ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣፍሊጡ።

መራሒ ጉጅለ ምክልኻል ኮንትሮባንድ እቲ ቤት ጽሕፈት ኢንስፔክተር ኣለሙ ይመር ከምዝገለፁዎ፥ እቶም ኣቕሑት ኮንታሮባንድ ተታሒዞም ዘለዉ ፀልማት ከውሊ ብምግባር ናብ ማእኸል ሃገር ንምእታው እንትፍትኑ ኢዩ።

ጽህፈት ቤቱ ከጸጥታ አካላት ጋር በመቀናጀት ባደረገው እንቅስቃሴ ከምሥራቁ የአገሪቱ ክፍሎች ሲጓጓዙ የነበሩ የኮንትሮባንድ ዕቃዎችን በቁጥጥር ሥር ማዋሉን ተናግረዋል።

ብመሰረት እዚ 25 ጥሪ 2014 ዓ.ም ክልተ ከበድቲ ተሸከርከርቲ ግምታዊ ዋገአን ልዕሊ 10 ሚሊየን ብር ዝኾኑ ሳልባጅ፣ ሓደሽቲ ክዳውንቲን ኣፋውስን ፅዒነን ካብ ዞባ ሽኒሌ ወረዳ ሙሉ ናብ ወረዳ ገዋኔ ኣብ ጉዕዞ እናሃለዉ ከምዝተትሓዙ ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ 24 ጥሪ 2014 ዓ.ም ምሸት ሰዓት 5 ፀልማት ከውሊ ብምግባር ክልተ ናይ ፅዕነት ተሸከርከርቲ ግምታዊ ዋገአን ብር 13 ነጥቢ 1 ሚሊየን ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment