ግምቱ ልዕሊ 4 ሚሊየን ብር ዝኾነ ንብረት ብምስራቕ ዝተጠረጠሩ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ግምቱ ልዕሊ 4 ሚሊየን ብር ዝኾነ ንብረት ብምስራቕ ዝተጠረጠሩ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

3 መስከረም 2017 ዓ.ም ለይቲ ሰዓት 10፡30 ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ወረዳ 5 ኣብ ህንፀት ዝርከብ ኣዳምስ ህንፃ ዝተዘርግሑ ገመዳት ኤሌትሪክ ገመዳት ንምስራቕ ክልተ ተጠርጠርቲ ሓፁር ዘሊሎም እንትኣትዉ፤ ኣብቲ እዋን ኣብ ምክልኻል ገበን ብዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ተታሒዞም እንትፍተሹ መቑረፂ ኬብል ክልተ ቦርሳን ከምዝተረኸቦም ተሓቢሩ፡፡

ዝተፈፀመ ገበን መበገሲ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ምርመራ ናይ ምክያድ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ሓበሬታ መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment