ግሎባል ፓርትነርሺፕ ፎር ኢትዮጵያ 850 ሚሊየን ዶላር ንመንግስቲ ኣታዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሰ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ውልቀ ኦፕሬተርነት ቴሌኮም ንምስታፍ ጨረታ ዝሰዓረ ግሎባል ፓርትነርሺፕ ፎር ኢትዮጵያ 850 ሚሊየን ዶላር ንመንግስቲ ኣታዊ ምግባሩ በዓል መዚ ኮሙዩኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኢንጅነር ባልቻ ሬባ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ብዝተቐመጠ ድንጋገ መሰረት እቲ ትካል 14 መዓልቲ ኣብ ዘይመልአ እዋን ጨረታ ዝሰዓረሉ ዋጋ ንመንግስቲ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ።

ብመሰረት እዚ ግሎባል ፓርትነርሺፕ ፎር ኢትዮጵያ ዝሰዓረሉ 850 ሚሊየን ዶላር ንመንግስቲ ኣታዊ ከምዝገበረ ኢንጂነር ባልቻ ገሊፆም።

ከም ገለፃ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ካልኣይ ጨረታ ኦፕሬተር ቴሌኮም ንምውፃእ ምድላው እናተገበረ ይርነብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment