ግሎባል አሊያንስ ንሚኒስቴር ጥዕና ብር 11 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዝግመት ሓገዝ እታወታት መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ገይሩ

አዲስ አበባ፣ ግንቦት 12፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓለም ለኽ ምትሕብባር ንመሰል ኢትዮጵያውያን (ግሎባል አሊያንስ) ንሚኒስቴር ጥዕና ብር 11 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዝግመት ሓገዝ እታወታት መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ገይሩ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ነቲ ዝተገበረ ሓገዝ ብምምስጋን እቲ ሓገዝ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪበን።

ኣተሓባባሪ ናይቲ ኮሚቴ ሓገዝ ዝኾኑ አይተ ኣምሃ መኮንን ብግደኦም፥ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክታት)፣ ጓንቲታት፣ መሐለዊ ፅሬት ኢድ፣ መመርመሪ መሳርሒታትን ካልኦት መሳርሕታት መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ከምዝርከቦ ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምግላፆም እውን ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment