ግልጋሎት ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ናብ ስራሕ ከምዘተኣታተወ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ግልጋሎት ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ ንተገልገልቲ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ናብ ስራሕ ከምዘተኣታተወ ኣፍሊጡ።

ብመርበብ ሓበሬታ ኣቢሉ መረዳእታ ትምህርቲ ምፅራይ፣ መረዳእታ ትምህርቲ ንካልኦት ትካላት ምልኣኽ፣ ዳግም መረዳእታ ትምህርቲ ምውሳድን፣ መረዳእታ ትምህርቲ ምርግጋፅ ኣብ እዋን ምዝገባ ዘጋጥም ጉድለት ፊደላት ሽም ምስትኽኻል ከምዝከኣል ዋና ዳይሬክተር እቲ ግልጋሎት እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።

እቲ ግልጋሎት ንምርካብ ተገልገልቲ ብቴሌ ብርን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ኣቢሎም ክፍሊት ክፍፅሙ ከምዘለዎም ተሓቢሩ፡፡

ድሕሪ ሕዚ ኣብ መላ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ጨንፈራት ግልጋሎት ፖስታ ኢትዮጵያን ብብርኪ ዓለም ን180 ሃገራት፣ ብኣካል ከምኡ እውን ብውክልና ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

እቲ ግልጋሎት መርበብ ሓበሬታ ተገልገልቲ ካብ ምንግልታዕ ከምዘድሕን ተሓቢሩ።

ብፍቅርተ ከበደ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment