ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሱዳን ራምታን ላማምራ ዘቲዮም።
ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብቲ ዘተ፥ ንሰላም ሱዳን በዝተፈላለዩ ወገናት ዝተጀመሩ ፃዕሪታት ብምእካብ ናብ ሓደ ውፅኢታዊ ኣንፈት ምምራሕ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ራምታን ላማምራ ብግደኦም፥ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ዝፈጠሮ ሰብኣዊ ቅልውላው ደው ንምባል ሰላም ንክነግስ ምስራሕ ኣዝዩ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ሰላም ንምንጋስ ንዝግበር ፃዕሪ ደገፍ ከምእትገብርን ርኡይ ግደ ከምዘለዋን ኣብቲ ዘተ ምቕራቡ ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።