ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞትዎስ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ጅቡቲ እስማኤል ኦመር ጊሌ ተዛቲዮም።
ዕላማ እቲ ዘተ ምፍላጥን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን አሕዋት ሃገራት ዘሎዝፀንሐ ምሕዝነት ንምጥንኻር ከምዝኾነ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ዘውፀኦ ሓበሬታ የመላኽት።
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ክልተኣዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ዘልዐሉ እንትኾኑ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ጅቡቲ ዝተልዓሉ ኣንፈታት ትኹረት ብሓባር ንምስራሕ ተመያይጦም።
ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ዘሎ ምርግጋእን ምትሕብባርን ነምሕጋዝ ተስማዕሚዖም።